ሓሙስ 6 ሕዳር
ብዅሉ ኣመስግኑ።—1 ተሰ. 5:18።
ንየሆዋ ብጸሎት እነመስግነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ስለቲ ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ነገራት ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ ኵሉ ጽቡቕ ውህበት ካብኡ እዩ። (ያእ. 1:17) ንኣብነት፡ ስለቲ ኣብ ምድሪ እንርእዮ ጽባቐን ስለቲ መስተንክር ፍጥረታትን ሞሳና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ህይወትን ስድራ ቤትን ፈተውትን ተስፋን ስለ ዝሃበና እውን፡ ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ምስኡ ኽቡር ዕርክነት ኪህልወና ስለ ዝፈቐደ፡ ከነመስግኖ ንደሊ ኢና። ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ብብሕትና እነመስግነሉ ምኽንያታት ንምሕሳብ፡ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። ሎሚ፡ ኣብ ዘይተመስግን ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብቲ ዚደልይዎ ነገራት ደኣ እዮም ዜተኵሩ እምበር፡ ነቲ ዘለዎም ነገራት ኣየማስዉሉን እዮም። በዚ ኣረኣእያ እዚ እንተ ተጸሊና፡ ጸሎትና ዝርዝር ልማኖታት ጥራይ ዝሓዘ እዩ ዚኸውን። ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ሞሳ ኸነማዕብልን ሞሳና ኽንገልጽን ኣሎና።—ሉቃ. 6:45። w23.05 4 ¶8-9
ዓርቢ 7 ሕዳር
ከይተጠራጠረ ብእምነት ይለምን።—ያእ. 1:6።
እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ፡ ስቓይና ኺርኢ ኣይደልን እዩ። (ኢሳ. 63:9) ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ምስ ኣፍላግ ወይ ምስ ሃልሃልታ ሓዊ ኺመሳሰል ዚኽእል ፈተናታትና ኣየወግዶን እዩ። (ኢሳ. 43:2) ‘ክንሓልፎ’ ወይ ‘ክንሰግሮ’ ኸም ዚሕግዘና ግና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። ሕጂ እነሕልፎ ፈተናታት ብዘየገድስ ድማ፡ ነባሪ ጕድኣት ኪወርደና ኣይፈቅድን እዩ። ብዘይካዚ፡ ንፈተናታትና ምእንቲ ኽንጻወሮ ኢሉ፡ እቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ። (ሉቃ. 11:13፣ ፊል. 4:13) ስለዚ፡ ንዜጋጥመና ጸገማት ንምጽዋርን ብተኣማንነት ጸኒዕና ንምቕጻልን ዜድልየና ዘበለ ወትሩ ብልክዕ ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። የሆዋ ብእኡ ኽንኣምን ይጽበየና እዩ። (እብ. 11:6) ሓድሓደ ግዜ፡ ፈተናታትና ዘይስገር ኪመስለና ይኽእል እዩ። የሆዋ ኺሕግዘና እንተ ዀይኑ እውን ጥርጣረ ኺሓድረና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብሓይሊ የሆዋ ‘መንደቕ ክንሓኵር’ ከም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 18:29) ስለዚ፡ ብጥርጣረ ኣብ ክንዲ እንስነፍ፡ የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚምልሶ ምሉእ እምነት ኪህልወና ንጸሊ።—ያእ. 1:6, 7። w23.11 22 ¶8-9
ቀዳም 8 ሕዳር
[ሃልሃልታ ፍቕሪ] ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ እዩ። ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት ኬጥፍኣ፡ ኣፍላግ ድማ ኪወስዳ ኣይክእልን እዩ።—መሃ. 8:6, 7።
እዚ ንናይ ሓቂ ፍቕሪ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጻ። ንምርዑዋት ሰብ ሓዳር ከኣ ዜተባብዕ ሓቂ ሒዙሎም ኣሎ። እወ፡ ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ንሓድሕድኩም ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህልወኩም ትኽእል እያ። ሰብ ሓዳር ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ ምእንቲ ኺፋቐሩ፡ ጻዕሪ ኺገብሩ የድልዮም እዩ። ነዚ ዚኸውን ምሳሌ እስከ ንርአ፦ መጋርያ ሓዊ ንሓዋሩ ኺነድድ ይኽእል እዩ። ንሓዋሩ ምእንቲ ኺነድድ ግና፡ ዕንጨይቲ ኺውሰኸሉ ኣለዎ። ቍሊሕ ዚብሎ እንተ ስኢኑ፡ እቲ ሓዊ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ይቕህም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘላ ፍቕሪ ንሓዋሩ ኽትቅጽል ትኽእል እያ። ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትቅጽል ግና፡ ነቲ ርክቦም ኪሕብሕብዎ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ ትዝሕል ከም ዘላ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ምናዳ ናይ ገንዘብ ጸገማት፡ ናይ ጥዕና ጸገማት፡ ወይ ቈልዑ ምዕባይ ዜስዕቦ ጸቕጢ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ከምኡ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ን“ሃልሃልታ ያህ” ወትሩ ምእንቲ ኼጐሃህርዋ፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ንምዕቃብ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። w23.05 20-21 ¶1-3